Info CuraItalia

seleziona lingua 2
Seleziona lingua:

ድጎማ 600 ኤውሮ፤ ንዑቑባት፣ ንሓተትቲ ዑቕባን ካልእ መንበሪ ፍቃድ ንዘለዎምን የፍቅድ

ካብ 1 ኣፕሪል 2020 ጀሚሩ ኣብ ናይ (https://www.inps.it/) ብምእታው ናይ ማርች ወርሒ ናይ 600 ኤውሮ ድጎማ ንምርካብ ከተመልክቱ ትኽእሉ፡፡ ኽሓትት ዝኽእል መን እዩ?

  • ክሳብ 23 ፌብርዋሪ ብናይ ግሎም ንግዲ ፍቓድ (ፓርቲታ ኢቫ) ዝሰርሑ ናይ ግሊ ሰብ ሞያ

  • ክሳብ 23 ፌብራዮ ከም ሰራሕተኛ ብቐጻልነት ዝሰርሑ (Collaboratori coordinati e continuativi - Co.co.co.)

  • ናይ ኢድ ሰብ ሞያ፣ ነጋዶ፣ ሓረስቶትን ኣከፋፈልትን

  • ግዝያዊ ሰራሕተኛታት ናይ ቱሪዝምን ተርማልን፡ ስርሖም ካብ 1 ጀንዋሪ 2019 ከምኡ ድማ 17 ማርች 2020 ዘቋረጹ (ዋላ ብድልየቶም ከይኮነ)

  • ኣርቲስትታት / ከየንቲ፡ ኣብ 2019 እንተወሓደ ናይ 30 መዓልታት ግብሪ ዝኸፈሉን ናይ ዝሓዝናዮ ዓመት ኣታዊኦም ካብ 50.000 ኤውሮ ዘይበልጽን

  • ኣብ ሕርሻ ዝሰርሑ፡ ብግዝያዊነት ኣብ ሕርሻ ዝሰርሑን ኣብቲ ዝርዝር መደብ ናይዚ ዓይነት ስራሕ እቱው ዝኾነ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን፡ እንተወሓደ ኣብ 2019 ካብ 50 መዓልታት ንላዕሊ ዝሰርሑ

ሕጂ ደሞዝ ዝወስዱ ዘለዉ፡ ነዚ ድጎማ ክሓቱ ኣይክእሉን ፦ Pensione ጥሮታ/ reddito di cittadinanza ናይ ዘግነት ኣታዊ /Ape sociale ናይ ኣፐ ማሕበራዊ ክፍሊት/Assegno ordinario di invalidità ናይ ስንክልና ጥሮታ ወይ ኣበል

ነዚ ንምግባር እንታይ የድልየካ?

  • INPS - ክኸፍለካ ዝኽእለሉ ናይ ባንክ ሕሳብ ቁጽሪ

ኣብ ናይ INPS ናይ መስመር ኣገልግሎት ምእታው https://serviziweb2.inps.it/RichiestaPin/jsp/menu.jsp

ናይ ህፃናት መውዓሊ ድጎማ፡ ንዑቑባትን ንሓተትቲ ዑቕባን እውን ይወሃብ

ኣብ ናይ INPS መርበብ (www.inps.it) ፣ ብኻልእ ኣማራጺ ድማ ብኮንጀዶ ፋሚሊያረ፦ ኣብ ናይ ጥልያን ናይ ክንክን ሕጊ ብዝምልከት ዝተወሃቡ ናይ ሕፃናት ክንክን ኣገልግሎታት ንምኽፋል ድጎማ ምሕታት ይከኣል።.. . .

እዚ ድጎማ ነዞም ዝቕጽሉ ሰራሕተኛታት ይምልከት

  • ኣብ ናይ ግሊ ዘርፊ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት
  • ንዝተፈለየ ምምሕድዳር ዝተመዝገቡ (ጀስትዮነ ሴፓራታ)
  • ኣብ INPS ብግሎም ዝተመዝገቡ
  • ናይ ባዕሎም ስራሕ ዝሰርሑ ምዝጉባት ሰብ ሞያታት

እዚ ድጎማ፡ ንሕፃናት መውዓሊ ኣገልግሎት ዘውጽዎ፡ ዕድመኦም ካብ 12 ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ሕፃናት ንዘለውዎም ስድራትታ ዝወሃብ ዝለዓለ ብጽሒት 600 ኤውሮ እዩ። እዚ ናይ ዕድመ ገደብ ኣብ ትምሕርቲ ንዝተመዝገቡ ሕፃናት ኣብ ናይ ሕፃናት መውዓሊ ዝውዕሉ ናይ ኣካል ጉዱኣት ዝኾኑ ሕጻናት ኣይምልከትን። እዚ ድጎማ ናብቶ ስድራ ናይ ባንኪ ሕሳብ ቁጽሮም ቢንፕስ ዝኽፈል እዩ። . .

መግለጺ ንምርካብን ነዚ ድጎማ ንምሕታትን ኣብ ናይ INPS ናይ መስመር ኣገልግሎት መውሃቢ መስመር ክትከፍት ኣለካ (https://www.inps.it/)

ንመጠንቀቕታ፤ እዚ ተመልክቶ በቲ ዝቐለለ ፒን እንተተላኢኹ፡ ኣብ ና ስድራ ናይ ባንኪ ሕሳብ ንምምዝጋብን እቲ ድጎማ ቤለክትሮኒክ መንገዲ ንኽትረኽቦን ካልኣይ ፒን ክትረክብ ኣለካ።

ፍሉይ ፍቓድ ንኮቪድ 19፡ ንዑቑባትን ንሓተትቲ ዑቕባን እውን ይፍቀድ

ኣብ ናይ INPS ናይ መርበብ መስመር ኣገልግሎት ( https://www.inps.it/ ) ምእታው ካብ ፭ ማርች ጀሚሩ ክሳብ ዝጅመር ኩሎም ሰራሕተኛታት ን ፩፭ መዓልታት ነዚ ፍሉይ ፍቓድ ክሓቱ ይኽእሉ።https://www.inps.it/

ዓይነታት፦

ዕድመኦም ካብ 12 ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ቆልዑ ንዘለውዎም ወለዲ ናይ 50% ክፍሊት

ዕድመኦም ካብ 12 ክሳብ 16 ዝኾኑ ቆልዑ ዘለዎም ወለዲ በዘይ ክፍሊት

ከቢድ ስንክልና ዘለዎም ቆልዑ ንዘለውዎም ወለዲ ናይ 50% ክፍሊት (በዘይ ናይ ዑድመ ገደብ)

ነዚ ንምግባር እንታይ የድልየካ?

ናይ መስመር ኣገልግሎት ንምርካብ ከመይ ከምዝሕተት: ቦኑስ 600 ዩሮ / ኮንቸዶ ስትራኦርዲናርዮ / ቦኑስ በቢ ሲቲንግ

ኣብ ናይ ኢንፕስ (INPS) ናይ መስመር ኣገልግሎት ነዞም ዝስዕቡ ኮዳት ምሕታት ይከኣል፦
1. ብ INPS ዝተወሃበ ፒን;
2. ናይ SPID ካልኣይ ደረጃ ወይ ካብኡ ንላዕሊ;
3. ናይ ኤሌክትሮኒክ መንነት ካርድ (CIE);
4. ናይ ብሔራዊ አገልግሎት ካርድ (CNS).
ፒን ንምርካብ በዞም ዝስዕቡ መስመራት ምሕታት ይከኣል
- ብ www.inps.it መርበብ , “Richiesta PIN” ብዝብል ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ብምኽፋት;
- ብ ኑሜሮ ቨርደ 803 164 (ካብ ናይ ገዛ ስልኪ ብነጻ) ወይ (ብተንቀሳቐሲ ስልኪ፡ ነጻ ዘይኮነ) 06164164 ደውል
.

You may also like...

ትግርኛ
Italiano English (UK) Français አማርኛ العربية বাংলা 简体中文 Español ਪੰਜਾਬੀ Русский Af Soomaali Shqip اردو Wolof ትግርኛ