Buoni spesa

ንምግብን ንኣድላዪ ነገራትን መግዝኢ ዝውዕል ቫውቸር፡ ብኤኮኖሚ ሽግር ንዘጋጠሞም ግለሰባትን፡ ስድራቤታትን ብቀዳምነት ዝወሃብ

-- ብቑጽሪ 685 (ordinanza n. 658) ናይ ሲቭል ሓለዋ መምርሒ በዓል ስልጣን ብዘውጸኦ ትእዛዝ መሰረት፡ ኩለን ናይ ዓዲ ጥልያን ማዛጋጃ ቤታት (ኮሙነታት) ንዝተሸገሩ ሰባት ሓገዝ ዝወሃብ ገንዘብ ተቐቢለን እየን፡ እዚ ድማ ኣብ ምግብን ኣድለይቲ ነገራትን ንምግዛእ ዘኽእሉ ዝውዕሉ ቫውቸራት እዮም።

ኩለን ማዛጋጃ ቤታት ዝረኽበኦ ናይ ድጎማ ዕቅን ዝተፈላለየ እዩ። ናይዚ ተጠቀምቲ፡ ብኮቪድ 19 ናይ ኤኮኖሚ ጸቕጢ ንዝበጸሖምን ብጣዕሚ ንዝተጠቕዑ ሰባትን ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም ካሊእ ሓገዝ ዘይብሎም ቀዳምነት ይህልዎም። ካሊእ ሓገዝ ማለት ከም፦ (Reddito di Cittadinanza, REI, NASPI, cassa integrazione, ecc.)

በሕጊ ድንጋጌ 251/2007 አንቀጽ 27 አንቀጽ1 መሰረት ፣ ናይ ዓለም ለኸ ናይ ሓለዋ ኣፍልጦ ዝረኸቡ ስደተኛታት (ስታቱስ ዲ ሪፉጃቶ) ነዚ ቫውቸር ንምርካብ ልክዕ ከምቶም ናይ ጥልያን ዜግነት ዘለዎም ተመሳሳሊ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።

ነዚ ድጎማ ንምርካብ፡ ኣሰራርሑኡን ናይ ግዜ ገደብን ንምፍላጥ፡ ናይቲ ትነብሩሉ ማዛጋጃ ቤት መርበብ ኣቲኹም፡ ኣብኡ ዘሎ መምርሒ ተኸተሉ።

You may also like...

ትግርኛ
Italiano English (UK) Français አማርኛ العربية বাংলা 简体中文 Español ਪੰਜਾਬੀ Русский Af Soomaali Shqip اردو Wolof ትግርኛ