Informazioni utili sul prosieguo amministrativo per i minori stranieri non accompagnati che hanno compiuto o compiranno 18 anni nei prossimi mesi.

ሰላም ንኹሉኹም፡ 

ከምትፈልጥዎ በዚ ሓደገኛ ናይ ኮሮና ቫይረስ ምስፍሕፋሕ፡ መዓልታዊ መነባብሮ ብዙሕ ነገራት ተቐያዪሩ ኣሎ። ብሕልፊ ንገሌኹም፡ ኣብ ልዕሊ ትምህርቲ፣ ናይ ስራሕ ልምምድ ወይ ድማ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝሕደሰሉን ዝሰሓበሉን ኣሰራርሓታት፡ ለውጥታትን ምድንጓያትን ይረአ።  

ብዛዕባ ኩነታትካ ትደልዮ መብርሂ ወይ ሓበሬታ እንተሎ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሓገዝ ሕተት፦ 

  • ነቲ ሓላፍነት ዝወሰደልካ ሰብ ወይ ቱቶር
  • ኣብ ትነብረሉ መዕቆቢ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት
  • ኣብ መዕቆቢ ዘይትነብር እንተኾንካ ድማ ናብ ትደልዮ ዝሕግዝ ማሕበር ብምኻድ (ንምሳሌ ኣርቺ)

ብዛዕባ ናይ ምምሕዳር ቀጻልነት ሓደ ሓደ ጠቓሚ መብርህታት ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል: 

ናይ ምምሕዳር ቀጻልነት እንታይ እዩ? 

ብናይ ዓዲ ጥልያን ሕጊ መሰረት፡ በይኖም ንዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኮይኖም ናይ ትሕቲ ዕድመ መንበሪ ፍቓድ ዝተወሃቦም እሞ 18 ክመልኡ ዝተቓረቡ መንእሰያት፡ ኣብቲ ዘለውዎ መዕቆቢ ንምቕጻልን ምስቲ ናይ ጥልያን ሕብረተሰብ ዝጀመርዎ ምልምማድ ኽቕጽሉን፡ ናይ መዕቆቢ ግዜኦም ንምንዋሕ ዕድል ዝህብ እዩ። 

ናይ ምምሕዳር ቀጻልነት ዝምልከቶ ንመን እዩ? 

ናይ ምምሕዳር ቀጻልነት ዝምልከት ነቶም ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑን፡ 18 ክመልኡ ዝቐረቡን፡ ናይ ትሕቲ ዕድመ መንበሪ ዝተዋህቦም ደቂ ወጻኢ ዜጋታት እዩ። 

ናይ ምምሕዳር ቀጻልነት ሕቶ ከቕርብ ዝኽእል መን እዩ?  

  • እቲ ሓላፍነት ዝወሰደልካ ወይ ናትካ ቱቶር

ወይ 

  • ናይቲ ማዛጋጃ ቤት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምስቶም ትነብረሎም ዘለኻ ሰራሕተኛታት ብምትሕብባር

    NBነዚ ሕቶ በቲ ቱቶር ወይ በቲ ናይ ማዛጋጃ ቤት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቢልካ ከተመልክት ሽግር እንተጋጢሙካ፡ ናብ ትደልዮ ዝሕግዝ ማሕበር ብምኻድ (ንምሳሌ ኣርቺ) ናብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ሕቶኻ ከመልክተልካ ይኽእል። 

ናይ ምምሕዳር ቀጻልነት ከመይ ጌርካ ተመልክት? 

ናይ ምምሕዳር ቀጻልነት ከተመልክት ዝከኣል ነቲ ንትሕቲ ዕድመ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ብምምልካት እዩ። (ከትመልክት ዘድሊ ሰነድ ኣብ ኢንተርኔት ትረኽቦ)  

ነቲ ናይ ምምሕዳር ቀጻልነት እቶም ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብቲ ዘለኻዮ መዕቆቢ ንኽትቅጽልን ምስቲ ሕብረተሰብ ዝጀመርካዮ ምትእትታው ንምቕጻል፡ ክሳብ 21 ዓመት ትመልእ ክናውሓልካ የመልክቱ። 

ናይ ምምሕዳር ቀጻልነት ሕቶ ኣበይ ክቐርብ ኣለዎ? 

  • ናብቲ ናይ ቤት ፍርዲ ዓቃቢ ሕጊ 

ወይ 

  • ነቲ ቤት ፍርዲ

ናይ ምምሕዳር ቀጻልነት ሕቶ መዓስ ክቐርብ ኣለዎ? 

18 ዓመት ቅድሚ ምምላእካ 

እንታይ ዓይነት መልሲ ክወሃበኒ ይኽእል? 

እቲ ቤት ፍርዲ ናትካ ናይ ታሪክ ሰነድ ምሰ መርመረ፡ ነቲ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ፡ ሓደራ ናይ ምሃብ ውሳነ ከመሓላልፍ ይኽእል። ስለዚ ኣብቲ መዕቆቢ ክሳብ 21 ትመልእ ክትጸሕ ትኽእል።. 

ኣሉታዊ መልሲ እንተተዋሂበኸ? 

እዚ ከጋጥመካ ከሎ ናብቲ ዘለኻዮ መዕቆቢ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ወይ ናብ ናትካ ቱቶር ብምኻድ ነቲ ዘሎ ኩነታት ከረድኡኻ ክትጥይቖም ይምከር። 

ምስዚ ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት ንናይ ምምሕዳር ቀጻልነት ምምልካት ይከኣል ዶ? 

እወ፡ ሙሉእ ሓበሬታ ንምርካብ ንቱቶርካ ወይ ኣብቲ ትነብረሉ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኩሉ ሓበሬታ ክህቡኻ ክትሓትት ይምከር። 

You may also like...

ትግርኛ
Italiano English (UK) Français አማርኛ العربية বাংলা 简体中文 Español ਪੰਜਾਬੀ Русский Af Soomaali Shqip اردو Wolof ትግርኛ