ኮቪድ - 19 ፡ ንመውዓሊ ሕፃናትን ንናይ ሓጋይ ማእከላትን ዝወሃብ ቫውቸር

COVID-19: AUMENTO DEL BONUS BABY-SITTING e CENTRI ESTIVI

ንመውዓሊ ሕፃናት መኽፈሊ ዝወሃብ ቫውቸር (ካብቲ ናይ ቅድም 600.00 ኤውሮ) ናብ 1200.00 ኤውሮ ሓፍ ይብል። መዓቀኒ ድማ ክሳብ 16 ዓመት ቆልዑ ንዘለዎም ወለዲ፡ ኣብ ናይ ግሊ ሰንተር ዝሰርሑ ወይ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ዝኾኑ ኣብ ናይ ጥዕና፣ ድሕነት ሃገር፣ መከላኸሊን ንሕዝቢ ናይ ህጹጽ ድሕነት ኣገልግሎት ንዝህቡ ጥራሕ እዩ። ብተወሳኺ እዚ ቫውቸር ንቆልዑ ኣብ ናይ ሓጋይ ማእኸላት (Centri Estivi) ተወሳኺ ናይ መሰረታውን ማሕበራውን ናይ ትምህርቲ ኣገልግሎት ዝህባ ንምምዝጋብ ክውዕል ይኽእል።

You may also like...

ትግርኛ
Italiano English (UK) Français አማርኛ العربية বাংলা 简体中文 Español ਪੰਜਾਬੀ Русский Af Soomaali Shqip اردو Wolof ትግርኛ