ቦኑስ - ንናይ ዕረፍቲ ዙረት

ናይ ሪፓርቲ ኢታልያ ሕጊ ምጽዳቕ ተኸቲሉ፡ ኣብ ናይ 2020 ናይ ኣታዊ መምዘኒ (ISEE) ካብ 40.000 ኤውሮ ዘይበልጽ ኣታዊ ዘለወን ስድራታት፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝርከባ ናይ ቱሪዝም መዘናግዕታትን ኣግሪቱሪዝማትን (Bed & Breakfast) ንዝኽፈል ክፍሊታት ሓገዝ ይህብ።

ንሕድሕድ ስድራ ዝወህብ ሓገዝ ብሓደ ናይታ ቤተሰብ ኣካል ዝካየድ ኮይኑ፡ ክሳብ 500.00 ኤውሮ ክበጽሕ ይኽእል። ቁጽሪ ናይ ስድራቤት ክቕንስ ከሎ ድማ እቲ ሓገዝ ይቕንስ። በዚ ምኽንያት ክልተ ሰብ ዝሓዘት ስድራ ናይ 300.00 ኤውሮ ሓገዝ ክትርክብ ከላ በይኑ ንዝኾነ ድማ 150.00 ይረክብ።።


1) እቲ ክፍሊት ብሓደ መፍትሒ ኵውዳእ ኣለዎ፡ ማለት፦ ኣብ ሓንቲ ኣግሪቱሪዝም ወይ ኣብ ሓንቲ ቤድ ኤንድ ብሬክ ፋስት ኣገልግሎት ዝህባ ክኸውን ኣለዎ;

2) ናይ ወጻእታት ሙሉእ ሰነድ ብኤሌክትሮኒክ ዝተዳለወ ፋክቱር ወይ ናይ ንግዲ ፋክቱር ምስ ናይ ተጠቃሚ ፊስካል ኮድ ዝተተሓሓዘ ክኸውን ኣለዎ;

3) ናይዚ ኣገልግሎት ክፍሊት በዘይ ናይ ቱሪዝም ኣጀንስያታትን በዘይ ናይ ኤሌክትሮኒክ መርበብ ዝውንኑን ክኸውን ኣለዎ።

ናይዚ ሓገዝ 80% ኣብቲ ክፍሊት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ተረፍ 20% ድማ ኣብቲ ናይ ዓመታዊ ግብሪ ተመላሳይ ይኣቱ።

ኣብዚ ጽሑፍ ቀሪቡ ዘሎ ሓበሬታ ንናይ ኩሉ ሰብ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንኹሉ ኣዕጋቢ ክኸውን ኣይክእልን፡ ስለዝኾነ ድማ ንኣማኸርቲ ሕተቱ ።

You may also like...

ትግርኛ
Italiano English (UK) Français አማርኛ العربية বাংলা 简体中文 Español ਪੰਜਾਬੀ Русский Af Soomaali Shqip اردو Wolof ትግርኛ