ንተጓዓዝቲ ድጋፍ

ብስራሕ ወይ ብትምህርቲ ምኽንያት ናይ ባቡርን ናይ ከባቢ ናይ ሕዝቢ ትራንስፖርት ኣገልግሎትን ተጠቐምቲ ንዝኾኑ ሰባት፡ እቲ ዘይተጠቐሙሉ ናይ መጓዓዚ ደነዶም ንምሕዳስ ሕቶ ከቕርቡ ይኽእሉ። ነዚ ንምሕታት ነዞም ዝስዕቡ ምምላእ፦

a) ሀ) ፈብርዋሪ 23 -2020 ብቑጽሪ 6 ን 25 ብዝወጸ ናይ ሚኒስትራት ቤት ምኽሪ ፕሬዚደንት ውሳነ መሰረት፡ በቲ ኣብ ተግባር ዝወዓለ ናይ መንግስቲ ስጉምትታት ንዝተሸፈነ ግዜ፡ ትኽክለኛ ናይ ባቡር ወይ ናይ ከባቢ ናይ ሕዝቢ መጎዓዓዚ ሰነድ (ኣቦናሜንቶ) ንዝነበሮም፡

b) ለ) ብ 28 ዲክሰምበር 2000 ቁጽሪ 455 ናይ ሬፓብሊክ ፕረዚዳንት ብዘውጸኦ ውሳነ መሰረት፡ እቲ ናይ ጉዕዞ ሰነድ በቶም ዝተጠቕሱ ናይ መንግስቲ ሱጉምትታት ምኽንያት ብሙሉኡ ወይ ፍርቁ ክጥቀሙሉ ንዘይከኣሉ፡ ባዕሎም ሓላፍነት ብምውሳድ መረጋገጺ ዘለዎ ሰነድ ብምድላው ከመልክቱ ይኽእሉ።


ናይ መጓዓዚ ቲኬቱ ክምለሰሉ ዝደሊ ሰብ፡ ከምዘይተጠቐመሉ መረጋገጺ ብምድላው ነቲ ናይ መጓዓዚ ትራንስፖርት ምምሕዳር ከቅርበሉ ኣለዎ። እቲ ምምሕዳር ሕቶ ምስበጽሖ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ነቲ ተመላሲ፦


- ንዘይተጠቐሙሉ ናይ መጓዓዚ ሰነድ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክጥቀመሉ ዝኽእል ሰነድ የዳልውሉ።


- ክጥቀመሉ ንዘይከኣለ ናይ መጓዓዚ ሰነድ ዝሽፍን መናውሒ ይህብዎ። 


ኣብዚ ጽሑፍ ቀሪቡ ዘሎ ሓበሬታ ንናይ ኩሉ ሰብ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንኹሉ ኣዕጋቢ ክኸውን ኣይክእልን፡ ስለዝኾነ ድማ ንኣማኸርቲ ሕተቱ ።

You may also like...

ትግርኛ
Italiano English (UK) Français አማርኛ العربية বাংলা 简体中文 Español ਪੰਜਾਬੀ Русский Af Soomaali Shqip اردو Wolof ትግርኛ