ስራሕ ደው ብምባል ምኽንያት ዝኽፈሉን ፍሉይ ፍቓድን

ኮቪድ - 19 ፡ ስራሕ ደው ብምባሎም ምኽንያት ንዝኽፈሎም መናውሕን ተወሳኺ ግዜ ምሃብን

ብኮቪድ 19 - ካብ 23 ፌብርዋሪ ክሳብ 31 ኦገስት 2020 ስራሕ ደው ብምባሎም ክኽፈሎም ንዝተወሰን ተወሳኺ 5 ሰሙናት ፉሉይ ናይ ዕረፍቲ ክወሃቦም እዩ። ካልእ 4 ሰሙናት እውን ካብ 1 ሰፕተምበር ክውሰኽ ይኽእል። ኣብ - ቱሪዝም፣ ንግዲ፣ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝካየደሉ፣ መዘናግዒ ፓርክታት፣ ትያትራታትን ቺነማታትን ዝኣመሰሉ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፡ ነዘን 4 ሰሙናት ቅድሚ 1 ሰፕተምበር ክጅምሩ ይኽእሉ።።

ካብ 12 ዓመት ዕድመ ንታሕቲ ቆልዑ ዘለዎም ወለዲ፡ ካብቲ ቀዲሙ ዝተወሰነ 15 መዓልታት፡ ካብ 5 ማርች ክሳብ 31 ጁላይ እዚ ፍሉይ ናይ ዕረፍቲ መዓልታቶም ናብ 30 መዓልታት ይናዋሕ። ኣብ ናይ ግሊ ስራሕ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ነዚ ዕረፍቲ 50% ይክፈሎም። ንመውዓሊ ሕፃናት ሓገዝ እንተዘይሓቲቶምን እቲ ሓደ ወላዲ ስራሕ ዝፈትሐ እንተዘይኮይኑን፣ ሰራሕተኛ ዘይኮነ ወይ ናይ ኣታዊ ሓገዝ መሳርሕታት ተቀባሊ እንተዘይኮኑ ክሓትት ይኽእል።

You may also like...

ትግርኛ
Italiano English (UK) Français አማርኛ العربية বাংলা 简体中文 Español ਪੰਜਾਬੀ Русский Af Soomaali Shqip اردو Wolof ትግርኛ