መሰል ኣብ መስመር - ኑሜሮ ቬርደ ንዝወጸ ናይ ስራሕ ውዕል መስተኻኸሊ (Regolarizzazione)

800 999 977

ኣርቺ፡ ነዚ ዝወጸ ናይ ስራሕ ውዕል መስተኻኸሊ ብዝምልከት፡ ብኑሜሮ ቬርደ ኣቢሉ ይምልስ፡፡

እዚ ናይ መሰል መስመር ነዚ ናይ ስራሕ ውዕል ብዝምልከት ካብ ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 9:00 – 13:00 ድሕሪ ቐትሪ ካብ 14.30 – 18:30 ይምልስ፡፡ እዚ ናይ ነጻ መስመር ኣገልግሎት፡ ነዚ ሓድሽ ወጺኡ ዘሎ ናይ ስራሕ ውዕል ብዝምልከት ንዝቐርበሉ ሕቶታት ሓበሬታ ይህብ፡ ኣብዚ ሕጂ ግዜ ነቶም ኣብ ሕርሻን ናይ ሰባት ክንክንን ክሰርሑ ንዝደልዩ ይምልከት።

ኣርቺ - ብናይ ዞባ ኮሚቴታቱ ኣብሉ ኣድላዪ መስፈርቲ ንዘማልኡ ኩሎም ናይ ደቂ ወጻኢ ዜጋታት፡ ናይ ስራሕ ውዕሎም ክሰልጦም ይኽተልን ይዕዘብን፡፡ እዚ ናይ መሰል መስመር፡ ብናይ ጁማ ማፕ ኣገልግሎት መርበብ ብምጥቃም ንዝኾነ ሪፖርት ዝተገበረሎም ናይ ምጭብርባርን ኣድልዎን ኣሰራርሓ ይኸስስ።

ኣገልግሎቱ ካብ ናይ መስመር ስልክን ካብ ሞባይሉ ነጻ ክኸውን ከሎ፡ ብናይ ኣርቺ መርበብ ኣቢሉ ናይ ቋንቋ ኣስተርጎምቲ የቕርብ።

You may also like...

ትግርኛ
Italiano English (UK) Français አማርኛ العربية বাংলা 简体中文 Español ਪੰਜਾਬੀ Русский Af Soomaali Shqip اردو Wolof ትግርኛ