ጥዕና

ብዝተረጋገጸ መንገዲ ናብ ትምህርትና ክንምለስ ኢና

ኣብ መወዳእታ ናይ ትምህርትና ቦርሳ ነዳልወሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ። ሎሚ ዓመት መጻሕፍትን ጥራውዝትን ሓዊስካ ካልኦት ሓደሽቲ ልምድታት እውን ከነተኣታቱ ኢና።

ካብቲ በዓል መዚ ዝወሃቡ ናይ ቅስቀሳ መልእኽትታት፡ ንስድራቤት፣ ንደቀንስትዩ ተመሃሮን ንተመሃሮ ብሙሉኦምን፡ ትምህርቲ እንደገና ንምጅማርን ሓደሽቲ ዝተአታተው ልምድታት ክኽበሩን ንምትብባዕ ይሕግዝ።

(Fonte: Ministero della Salute)


ኣብ ነብስኻ ዘሎ ናይ ሙቀት መጠን ተለካዕ
ቅድሚ ምውጻእካ ኩሉ ግዜ ግበሮ። ካብ 37.5% ንላዕሊ እንተለካ ወይ ብኮቪድ - 19 ዝፍለጡ ምልክታት እንተርኢኻ ካብ ገዛኻ ከይወጻእካ ንዶክተርካ ኣዘራርብ።

ኣእዳውካ ብዙሕ ግዜ ተሓጸብ
ኣብቲ ቤት ትምህርትካ ዝርከቡ ናይ ጽርየት መሐለዊ ዝቀርቡ ተጠቐም።

ምልክታት ተኸተል
መእተውን መውጽእን ዝተፈላለዩ አዮም። አቲ ቤት ትምህርቲ ዘዳለዎ መምርሒ ተኸተል።

ኢሙኒ (IMMUNI)ዝብል ኣፕሊኬሽን ኣውርድ
ዕድመኻ ካብ 14 ዓመት ንላዕሊ እንተኮይኑ ሕጂ ኣውርዶ። እዚ ኣፕሊኬሽን ወይ መፈጸሚ ብኮቪድ - 19 ንዝፍለጡ ምልክታት ንኽትፈሊ የኽእለካ።.

ምርሕሓቕ ሓሉ
ካብ ዝኾነ ምትእኽኻብ ተቖጠብ። ኩሉ ግዜ ካባኻን ካብ ካልኦትን እንተወሓደ ናይ ሓደ ሜትሮ ርሕቀት ምህላዉ ሓሉ።

ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስክ ተጠቐም
ኣብ ትንቀሳቐሰሉን ኣብ እኩብ ዘለዎ ቦታን ኩሉ ግዜ ተጠቐመሉ። ኮፍ ትብለሉ ናይ ቤት ትምህርቲ ወንበር ወይ ደስክ ምስ ካልኦት ናይ ሓደ ሜትር ምርሕሓቕ እንተሎ እቲ ማስክ ከተውጽኦ ትኽእል። ካብ 6 ዓመት ንታሕቲ ንዝኾኑ ኣይምልከትን።.

ናይ መእተዊ ሓበሬታ ርኸብ
ንሓደ ተመሃራይ ሓደ ሓጋዚ ጥራሕ ት አወሲኑ ዘሎ። ኣብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ መርበብ ብምእታው እቲ ናይ መእተዊ ደምብታት ክትርኢ ትኽእል።

ንነብስና ብምሕላው ንኻልኦት እውን ንሓሉ

https://youtu.be/A0YtBBE-Ud4
JumaMap – COVID-19 in Italy · [PIDGIN ENGLISH] Rientriamo a scuola in sicurezza

ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስኬራ መሸጢ ዋጋ

ንሓደ ናይ መከላኸሊ ማስኬራ ዋጋ 0.50 ኤውሮ ክኸውን ብሕጊ ዝተወሰነ እዩ። ነዚ ማስኬራ ዋግኡ ብምውሳኽ እንደገና ክትሸይጥ ኣይከኣልን። ክትገዝእዎ ከለኹም CE ዝብል ምልክት ኣብቲ ማስኬራ ምህላውን ንሕክምና ወይ ንግሊ መከላኸሊ ከምዝተዳለወን ኣረጋግጹ።


JumaMap – COVID-19 in Italy · [BAMBARA] Costo mascherine al dettaglio

JumaMap – COVID-19 in Italy · [PIDGIN ENGLISH] Costo mascherine al dettaglio

JumaMap – COVID-19 in Italy · [SONINKE] Costo mascherine al dettaglio

JumaMap – COVID-19 in Italy · [PULAR] Costo mascherine al dettaglio

Orientamento Sanitario per stranieri

ኩሉኹም ሓኪም ዘይብልኩም በዚ ቁጽሪ ተሌፎን ብምድዋል ሐካይም ናይ መድቺ ደል ሞንድ ናይ ሕክምና ሐገዝን ናይ ስነ ልቦና ምኽርን ሐበሬታን ክትረኽቡ ትክእሉ:: +39 351 0221390

ዓለም ለኻዊ ናይ ጥዕና ድርጅት ፡ ሓድሽ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ዝወስዶም ስጉምትታት

ብዛዕባ ኮቪድ 19 ናይ መወዳእታ ሓበሬታ። ካብ ዓለም ለኻዊ ናይ ጥዕና ድርጅት በዓል ስልጣን ናብ ናይዚ ዓዲ ናይ ጥዕና ምምሕድዳር ባዓል ስልጣንን ናይ ዞባ ሰብ ስልጣናትን ዘመሓላልፎ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ይርከብ። በዚ ሕማም ዝጥቅዑ ቅልል ዝበለን ብዙሓት ድማ ዝድሕኑን ኮይኑ፡ ብኻልእ ወገን ድማ ብጣዕሚ ሓደገኛ እዩ። ጥዕናኻ ሓሊኻ ጥዕና ከባቢኻ ንምሕላው ነዞም ዝስዕቡ ምኽርታት ተኸታተል፦

ኣእዳውካ ብዙሕ ግዜ ተሓጸብ
ካብ ኣልኮል ብዝተዳለወ መጽረዪ ወይ ድማ ብማይን ብሳምናን ኣእዳውካ ጽቡቕ ገርካ ተሓጸብ።
ንምንታይ? ካብ ኣልኮል ብዝተዳለወ ወይ ብማይን ብሳምናን ምሕጻብ ኣብ ኣእዳውካ ዘሎ ቫይረስ ስለዝቐትል።

ምስቲ ሕብረተሰብ ካብ ዘለካ ርክብ፡ ካብ ጥቓኻ ዘሎ ሰብ ዘለካ ርሕቀት ሓሉ
ካብ ጥቓካ ኮይኑ ዘሐንጥሶን ዘስዕሎን ሰብ ብውሕድ ናይ 1 ሜትሮ ርሕቀት ይሃልካ።
ንምንታይ? ዝኾነ ሰብ ከሐንጥሶ ወይ ከስዕሎ ከሎ ካብ ኣፉን ኣፍንጭኡን ዝነጥሩ ናእሽቱ ፈሰስቲ ቫይረስ ዝሓዘሉ ክኾኑ ስለዝኽእሉ። ሕማም ምስ ዘለዎ ሰብ ብጣዕሚ ቅርርብ እንተለካ ነቲ ቫይረስ ብቐሊሉ ከመሓላልፈልካ ይኽእል፡ ከምኡ ድማ ናይ ኮቪድ 19 ቫይረስ።

ዓይንኻን፣ ኣፍንጫኻን ኣፍካን ኣይትሓዝ
ንምንታይ? ኣእዳውና ብዙሕ ነገር ስለዝትንክፍ ብቐሊሉ ብቫይረስ ክብከል ይኽእል። ኣእዳውካ ሓንሳብ ምስተበከለ ፡ ዓይንኻ ኣፍንጫኻ ወይ ኣፍካ ክትትንክፍ ከለኻ ስለዝመሓላለፍ፡ ካብኡ ናብ ውሽጢ ነብስኻ ብምስራጽ ከምትሓምም ይገብረካ።

ናይ ምትንፋስ ዘድሊ ጽሬት ንምሕላው ሓላፍነት ውሰድ
ንዓካን ኣብ ከባቢኻን ዝነብሩ ሰባትን ናይ መተንፈሲ ጽሬትኩም ከምትሕልዉ ኣረጋግጽ። እዚ ማለት ክሐንጥሰኩም ወይ ከስዕለኩም ከሎ ኣፍኩምን ኣፍንጫኹምን ብቕልጽምኩም ወይ ብወረቐት ካብ ዝተሰረሐ መንዲል ሸፍኑ። እቲ ወረቐት ሓንሳብ ምስተጠቐምኩሙሉ ደርብይዎ።
ንምንታይ? እቶም ዝነጥሩ ናእሽቱ ፈሳስታት ቫይረስ ስለዘመሓላልፉ። ናይ ምትንፋስ ጽሬት ኣጠቓቕማካ ብዝግባእ እንተሓሊኻ ንዓኻን ንሕብረተሰብካን፡ ካብ ሰዓል፣ ጉንፋዕን ካብ ኮቪድ 19 ቫይረስን ትሕሉ።

በዚ ሕማም ዝተጠቓዕካ ኮይኑ እንትተሰሚዑካ ወይ እንተተጠራጢርካ፡ ካብ ገዛኻ ከይወጻእካ፡ ንሓኪምካ፣ ንናይ ቆልዑ ሓኪም ወይ ንተረኛ ሓኪም ደውል። ወይ ድማ እቲ ዞብ ብዘዳለዎ ናይ ህጹጽ ሓገዝ መደወሊ ቁጽሪ ደውል።

LE 10 REGOLE DA SEGUIRE IN TANTE LINGUE

NUOVO CORONAVIRUS – 10 COMPORTAMENTI DA SEGUIRE
Questi sono i consigli ufficiali del Ministero della Salute:

  1. ኣእዳውኩም ኩሉ ግዜ ተሓጸቡ
  2. ኣብ ናይ መተንፈሲ ኣካል ብሕማም ዝሳቐዩ ወይ ብኢንፈክሽን ካብ ዝሳቐዩ ሰባት ጥብቕ ዝበለ ርክብ ኣቋርጹ
  3. ዓይንኹም፣ ኣፍኩም ወይ ኣፍንጫኹም ብኢድኩም ኣይትሓዙ
  4. ከሀንጥሰኩም ከሎ ግዜ ኣፍኩምን ኣፍንጫኹምን ሸፍኑ
  5. ብሓኪም ዝተኣዘዘልኩም እንተዘይኮኑ፡ ብባዕልኹም ንቫይረስ መከላኸሊ ይኹን ካልእ ኣንቲባዮቲክ ኣይትውሰዱ
  6. ትጥቀሙሉ ኣቑሑ ብኣልኮል ወይ ብክሎሪን ዘኣመሰሉ ዝተዳለዉ ከሚካላት ኣጽርዩ
  7. ከምዝሓመምኩም እንተተጠራጢርኩም ወይ ዝሓመሙ ተልዕሉ እንተኾንኩም ጥራሕ ናይ ኣፍን ናይ ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስከራ ተጠቐሙ
  8. ኣብ ቻይና ዝተሰርሑ ኣቚሑ ወይ ካብ ቻይና ትቕበልዎ ኣቕሓ ሓደገኛ ኣይኮነን
  9. ምስ ሰብ ሓቢሮም ዝነብሩ ናይ ገዛ እንስሳት ናይ ኮሮና ቫይረስ ኣየተሓላልፉን
  10. ረስኒ ወይ ሰዓል እንተለኩም ወይ ካብ ቻይና ካብ ትምለሱ 14 መዓልታት ዘይመለኣኩም በዚ ቁጽሪ 1500 ብምድዋል ተራኸቡ

Traduzioni in: inglese, francese, cinese, rumeno, spagnolo, arabo, bengali, urdu, somalo, russo, amarico, tigrino, bambarà, wolof a cura delle volontarie e dei volontari della Associazione Naga – MilanoArci Milano e dalla rete dei mediatori del Numero Verde per richiedenti asilo e rifugiati ARCI

ቫደሜኩም - ናይ ሓድሽ ኮሮና ቫይረስ እንድሕር ተጠራጢርኩም እንታይ ትገብሩ

Realizzato dal Ministero della Salute con l’Istituto superiore di sanità e il Centro europeo di prevenzione e controllo delle malattie, il vademecum risponde ai dubbi e alle preoccupazioni più frequenti e affianca le raccomandazioni per la prevenzione. (aggiornato al 10 marzo 2020)

1) እንታይ ክስመዓኒ ከሎ እየ ክጥንቀቕ ዘለኒ?
ከም ረስኒ ዓይነት፣ ሰዓል፣ ናይ ጎሮሮ ሕማም፣ ናይ ምትንፋስ ሕጽረት፣ ናይ ጭዋዳታት ቃንዛን ድኻምን፡ እዚኣቶም ምልክታት ኢንፌክሽን ናይ ኮሮና ቫይረስ እዮም።

2) ረስኒ ከምኡ ድማ ናይ ሰዓል ዓይነት ስምዒት ኣለኒ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ?
ኣብዘን ናይ መወዳእታ 14 መዓልታት ምስ ኮሮና ቫይረስ (ኮቪድ 19) ዝሓመመ ቅርርብ እንተኔሩካ፡ ወይ ኣብቲ ሕማም ዘለዎ ኣከባቢ እንተኔርካ፡ ወይ ኣብ ከምኡ ዝሓመሙ ዝሕከሙሉ ትሰርሕ እንተኔርካ፡ ካብ ገዛኻ ከይውጻእካ ንሓኪምካ፣ ንተረኛ ሓኪም ወይ ንናይ ቆልዑ ኽሓኪም ደውል።

3) ንሓኪመይ ድሕሪ ክንደይ ክድውለሉ?
ብቕልጡፍ፡ እንድሕር ከምዝተመሓላለፈካ ፈሊጥካ ወይ ከም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ከምዝሓመምካ እንተተሰሚዑካ ብቑልጡፍ ደውል።

4) ንሓኪመይ ከዘራርቦ እንተዘይኪኢለ እንታይ ክገብር?
ካብተን ኣብ መርበብ ዝተዘርገሓ ናይ ሁጹጽ መደወሊ ቁጽርታት ደውል። www.salute.gov.it/nuovocoronavirus www.salute.gov.it/nuovocoronavirus

5) ናይ ሁጹጽ ሕክምና ዝወሃበሉ (ፕሮንቶ ሶኮርሶ) ወይ ናብ ሓኪመይ ክኸይድ ይኽእል ዶ?
ኣይትኽእልን። ደዊልካ ከይሓበርካዮም ወይ ምስ ሓኪምካ ከይተዘራረብካ እንተኼድካ፡ ካልኦት ሰባት እውን ክትልክም ትኽእል።

6) ንስድራይ ብኸመይ ክከላኸለሎም ይኽእል?
ኩሉ ግዜ ናይ ነብስኻ ጽርየት ምሕላው፡ (ኢድካ ብሳሙና ወይ ብኣልኮል ዝተዳለወ ጀል ብደምቢ ተሓጸብ)፡ ናይ ትነብረሉ ቦታ ጽርየት ሓሉ። ከምተተሓዝካ እንተፈሊጥካ ማስኬራ መሸፈኒ ተጠቐም፡ ካብ ስድራኻ ርሕቕ ብምባል እቲ ናይ ሓባር ትጥቀሙሉ ኣቑሑ ጽሬቱ ምሕላው (ዲስኢንፈታረ ምግባር)

7) ኣበይ ክምርመር ይኽእል?
ምርመራ ዝግበር ኣብቲ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ዝህብ በዓል ስልጣን ዝእዝዞ ላቦራቶሪ ጥራሕ እዩ። ምርመራ ኣድላዪ እንተኾይኑ ሓኪምካ ክሕብረካ እዩ።

8) ካልእ ጽሩይ ሓበሬታ ካበይ ክረክብ ይኽእል?
ነዚ ብዝምልከት ኩሉ ግዜ ካብቲ ናይ ዞባ ምምሕድዳርን ካብ ፕሮቴስዮነ ቺቪለን ናይ መርበብ ሓበሬታ ጥራሕ ተኸታተል።

Orientamento Sanitario per stranieri
ኩሉኹም ሓኪም ዘይብልኩም በዚ ቁጽሪ ተሌፎን ብምድዋል ሐካይም ናይ መድቺ ደል ሞንድ ናይ ሕክምና ሐገዝን ናይ ስነ ልቦና ምኽርን ሐበሬታን ክትረኽቡ ትክእሉ:: +39 351 0221390

ቪድዮ

ፖድካስት

MAPPA

SaniMApp

Una app che fornisce informazioni sull’assistenza sanitaria a Roma e nel Lazio per le persone straniere sprovviste di permesso di soggiorno e per i cittadini comunitari in condizione di fragilità sociale e amministrativa, in 4 lingue, realizzata dal Gris Lazio in collaborazione con Sanità di Frontiera Onlus e Team Dev.

ትግርኛ
Italiano English (UK) Français አማርኛ العربية বাংলা 简体中文 Español ਪੰਜਾਬੀ Русский Af Soomaali Shqip اردو Wolof ትግርኛ